YouTube ከመይ ገይሮም ፍልፍል ኣታዊኦም ክገብርዎ ይኽእሉ ?

online make money image

ኣብዚ እዋን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ መመራኸቢታት ገንዘብ ንሰርሐሎም መንገድታት ብዙሓት ዋላ’ኳ እንተኾኑ ንሎሚ ግን ሓደ መድረኽ(platform) ክንርኢ ኢና።

YouTube ከመይ ገይሮም ፍልፍል ኣታዊኦም ክገብርዎ ይኽእሉ ?

YouTube መብዛሕቴና ተንቀሳቐስቲ ምስልታት(ቪድዮታት) ብነፃ እንርእየሉ ድረ-ገፅ(መርበብ ሓበሬታ) እዩ።
ነገር ግን ዩቲዩብ ካብዚ ሓሊፉ ንብዙሓት ፍልፍል ኣታዊ ምዃን ካብ ዝጅምር ፀኒሑ እዩ፤ ተፈላጥነት ካብ ምትራፍ ብተወሳኺ ብዩቲዩብ ሚልዬነር ዝኾኑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

መብዛሕቲኡ ተጠቃሚ ብነፃ ካብ ዝርእዮ ተንቃሳቓሲ ምስሊ(ቪድዮ) ከመይ ኣታዊ ኽርከብ ይኽእል? ዝብል ግን ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።

እነሆ ድማ ሓሙሽተ መንገድታት

①• መወዓውዒታት
╤╤╤╤╤╤╤╤╤
❑ናይ መጀመርያ ዩቲዩብ ፍልፍል ኣታዊ ዝኾነሉ መንገዲ መወዓውዒ እዩ። ሓደ ምስሊ ቅድሚ ምርኣዮም ዝመፅእ መወዓውዒ ዋና ናይ ዩቲዩበራት ፍልፍል ኣታዊኦም እዩ።
ሓደ ሽሕ ተጠቀምቲ እቲ መወዓውዒ ብዝረኣይዎ ቑፅሪ ጎግል ንዩቲዩበራት ካብ 1 ክሳብ 5 ዶላር ክኸፍል ይኽእል።
ንሶም ሓደ ምስሊ ኣብ ዩቲዩብ ሰቒሎም፥ ዝሰቐልዎ ምስሊ ክሪኡ ዝመፁ ሓደ ሚልዮን ሰባት እቲ መወዓውዒ እንተሪአሞ ካብ 1 ሽሕ ጀሚሩ ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።

②• ንዝኸፍሉ ምርኣይ
╤╤╤╤╤╤╤╤╤╤
❑ዩቲዩበራት ሰብ ብዙሕ ብዘይፈልጦ ናይ ገንዘብ መአከቢ መንገዲ ተጠቒሞም ኣታዊ ይረኽቡ እዮም።
ውሩይ እንግሊዛዊ ዩቲዩበር ኢቫን ኤዲንገር ከምዝብሎ “ኢንተርኔት ብምጥቃም ሳንቲም ዝእከበሉ መንገዲ ከምዝኾነ ሕሰብዎ” ይብል።
“ተጠቀምቲ እቲ ቪድዮ ርእዮም እንተፈትየሞ ካብ 1 ዶላር ጀሚሩ ብወርሒ ንክኸፍሉ ዝገብር ከይዲ እዩ” ክብል ይትንትኖ።
ሓድሓደ ዩቲዩበራት ከምዚ ዐይነት መንገዲ ዘለዎ ጥቕሚ ብምርዳእ ዝኸፍሉ ተጠቀምቲ ጥራሕ ምስልታት ዝርእዩሉ ድረ-ገፃት ይዝርግሑ።

③• ተዛመድቲ ድረ-ገፃት
╤╤╤╤╤╤╤╤
❑ እዚ ሜላ ብፍላይ ፋሽንን ናይ መመላኽዒ ውፅኢታትን ዝምልከት ታንቃሳቓሲ ምስሊ(ቪድዮ) ሰሪሖም አብ ዩቲዩብ ንዝሰቕሉ ኣዝዩ ተመራፂ እዩ።
ንኣብነት ዩቲዩበራት ሓደ ናይ መመላኽዒ ውፅኢት ዝኾነ ምህርቲ ጥቕሙን ጉድኣቱን ምስዘርዘሩ ምስ ነቲ ምህርቲ ኽዕድጉ ንዝደልዩ ሰባት ተተሓሒዙ ብዝተቐመጠ ድረ-ገፅ ኣቢሎም ምግዛእ ከምዝኽእሉ ይጥቁሙ።
በዚ መንገዲ ድማ እቲ ናይ መመላኽዒ ምህርቲ ምስ ዝሸይጥ ትካል ብዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት ጥቕሚ ይረኽቡ ማለት እዩ።

④• ናይ ምህርቲ ጥቆማ
╤╤╤╤╤╤╤
❑ፖስተራት፣ ቲሸርት ከምኡ እውን ናይ ተንቃሳቓሲ ስልኪ ኣክሰሰሪ ዩቲዩበራት ኣታዊ ዝረኽብሎም ካልኦት ሜላታት እዮም።
ንኣብነት ሓንቲ ዩቲዩበር በቲ ድረ-ገፅ ኣብ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ሓደ ምህርቲ ዝጥቁም ቲሸርት ለቢሳ ወይ’ውን ስልኪ ሒዛ እንተተራእያ እዚ ማለት ተዘዋዋሪ ምህርቲ ምፍላጥ ብምዃኑ ካሊእ ፍልፍል ኣታዊ ኾይኑ የገልግል።
ናይ ምህርቲ ምልክት(brand) ነገር በዚ ጥራሕ ዘብቅዕ አይኮነን።

⑤• ናይ ምህርቲ ምልክት(ብራንድ) መፋለጢ
╤╤╤╤╤╤╤╤╤╤╤╤

❑ኤዲንገር ከምዝብሎ ናይ ምህርቲ ምልክት(ብራንድ) ንዩቲዩበራት ቀንዲ ኣታዊ ዝረኽብሉ መንገዲ እዩ።
መብዛሕቲኡ ግዜ ትካላትን መምረትትን ብዙሕ ተኸታሊ ብዘለዎም ዩትዩበራት ኣቢሎም ምህርቶም የፋልጡ እዮም፤ ነዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ።
“ሉክ ዝተበሃለ ፈታውየይ ምስ ሓደ ናይ አሜርካ ትካል ናይ 26 ሽሕ ዶላር ስምምዕ ከምዝገበረ ይፈልጥ እየ።” ይብል ኤዲንገር። ብዙሕ ተኸታሊ(ሰብስክራይበር) ዘለዎም ዩትዩበራት ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቐሱ መንገድታት ኣዝዩ ብዙሕ ትርፊ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፤ እንዳትረፉ እውን ይርከቡ።

Leave a Comment

ኢ-ፖስታ አድራሻወ ይፋ አይደረግም። መሞላት ያለባቸው መስኮች * ምልክት አላቸው

English
Scroll to Top