ማሕበራዊ ሚድያ ንምንታይ

Prepared by – Sea Ads

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት መንእሰያት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያታት ከምዝኾኑ ንፈልጥ ኢና። ካብዞም ማሕበራዊ ሚድያታት ሓደ ፌስቡክ ከም ኣብነት ወሲድና ንርአ።
መጀመርታ ገለ ሕቶታት ክሓተኩም። ፌስቡክ ንምንታይ ትጥቀምሉ?
ቀንዲ ዕላማ ምኽፋት ናይ ፌስቡክ ኣካውንትኹም እንታይ እዩ ነይሩ?
❓ስእልኻ ምልጣፍ ድሕሪኡ ካብ ኣዕሩኽትኻ ላይክ ምርካብ?
❓ስእሊ ኣዕሩኽትኻ ንምርኣይን ላይክ ንምግባር?
❓ሕማቕ ሕሜት ንምዝርጋሕ ከምኡ ውን ንምጽራፍ?
ነዞም ሕቶታት መልስኻ “ኣይፋልን” እንተኾይኑ ብሉጽ… ቀጽሎ…
ብኣንጻሩ ነዞም ሕቶታት ዝሃብኩሞ መልሲ “እወ” እንተኾይኑ፡ ኣብ ፌስቡክ ዘለኩም ኣተሓሳስባ ግጉይ ስለዝኾነ፡ ብዝበለጸ ክትሓስብሉ ይግባእ።
ፌስቡክ እቲ ዘለዎ ጥቕሚ ከምዘሎ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ጉድኣት ሒዙ ውን መጺኡ እዩ።


ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክልተ ተጠቀምቲ ኣለው ንሶም ድማ creators and consumers ትብል ናይ Zolla MG. ፖስት ሼር ገይረ ነይረ ብዙሕ ሰብ ናይ ኣንተርፕረነርሽፕ ኣተሓሳስባ/creator እንተይኮነስ ናይ ተጠቃማይነት ( Consumer) ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓድና።
ሓደ ተጠቃሚ ብቐዳማይ “20 ኣካውንት ጥራይ እየን ኣብ ፌስቡክ ዝፅሕፋ:: እቲ ካልእ ዓሰስ ጎሰስ ዝብል፡ ድምፂ ንኹን ዝብል ኣካውንት እዩ::” ኢሉ ነይሩ እቲ ቁምነገር ሕጂ 20 እየን 30 እየን ኣይኮነን፤ እንተኾነ ግን ካብቲ ፌስቡክ ንጽቡቕ ዝጥቀመሉን ጠቓሚ ሓበሬታ ዝልጥፈሉን እቲ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዋላ ኣይእመነሉ ዝረኸቦ ጽሑፍ መሊሱ ዝልጥፍን ዘካፍልን እዩ ዝበዝሕ ንምባል እየ።


📌 ነዚ ከዓ እዩ ፌስቡክ ንዘይረብሑ ነገራት ንበለካን ለኸዐካን ክንጥቀመሉ ንርአ። ኣብ ፌስቡክ ምንም መጨበጢ ዘይብሎም ወረታት ከም ሓቂ እንወስድ ሰባት ውሑዳት ኣይኮንናን።
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ብዙሓት ፌስቡክ ተጠቒሞም ሚልዮነር ይኾኑ ከምዘለዉ ትፈልጡ ዶ? እንተዘይፈሊጥኩም ሐዚ ጉግል ጌርኩም ምርኣይ ትኽእሉ ኢኹም።


♦️ከም ኣብነት እንተወሲድና ፌስቡክ ኣብ ካልእ ዓለም ብዙሓት ኣንተርፕረነራት ንግዶም ንምዕባይ እንዳተጠቐምሉ ይርከቡ።
ኣንሕናኸ? ንጥቕምና ወይስ ንጉድኣትና ኢና ንጥቀመሉ? ንሕሰበሉ። ፌስቡክ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ነዚ ሕቶ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።

ፌስቡክ ተጠቒምካ ከመይ ጌርካ ንግዲ ክትሰርሕ ትኽእል?

ካልኦት ከ ብኸመይ ንግዲ ይሰርሑ ኣለዉ?
ፌስቡክ ከመይ ንጥቀመሉ?

ፌስቡክ ንብዙሓት ስራሕቲ ከመይ ንጥቀመሉ?

እቶም ብፌስቡክ ሚልዮነራት ዝኾኑ ኸ ብኸመይ ? ዝብል ኣብ ቀጻሊ ክምለሶ እየ።

Leave a Comment

ኢ-ፖስታ አድራሻወ ይፋ አይደረግም። መሞላት ያለባቸው መስኮች * ምልክት አላቸው

English
Scroll to Top